ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልዮና ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም


ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:40 0:00

ኣብ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት የንጸላልዎም

ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተኸታታሊ ዘጋጠመ ደርቂ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያዊያን ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ይርኸብ፡ መንግስቲ ብወገኑ ተወሳኺ ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።

ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ኤል ኒኞ ዘጋጠመ ደርቂ ኣብ ምምካት ትርኸብ ኢትዮጵያ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዋሕዲ ዝናብ ንውሕስነት መግቢ እታ ሃገር ስግኣት ፈጢሩ ይርኸብ።

ልዕሊ 5 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን መግቢ፡ ማይን ናይ ህጹጽ እዋን ኣገልግሎት ሕክምና የድልዮም እንተኾነ ብሰንኪ ዋሕዲ ሓገዝ እዞም ሰባት ነዞም መሰረታዊያን ኣገልግሎት ኣይረኽቡን ኣለው፡ ኣብ ጸደይ ዝዘንብ ዝናብ ምስዘይሕልው ድማ እቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከምዝኸይድ ሕቡራት ሃገራት የጠንቕቅ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝኸፍአ ደርቂ ዝበሎ ኣብ ዓመተ 2016 ብምግጣሙ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንኢትዮጵያ በዳሂት ዓመት ኔራ ይብል ።

ኣሕመድ ኢማም ተቐማጢ ሃሮረ’ዩ ፡ ንሱ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ደርቂ ከምዚ ይብል።

“እዚ ናይ ሕጂ ደርቂ ንሰባት ኾነ እንሰሳ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።ነቲ ውሑድ ዘለና ምስ ጥሪትና ብምምቓል ኢና ንሓልፎ ዘለና ምክንያቱ ንሶም’ውን ክነብሩ ስለዘለዎም።”

ካልእ ናይቲ ቦታ ነባሪት ዝኾነት ከዲጃ ጣህር ብወገና ከምዚ ትብል።

“ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ደርቂ ተጠቒዕና። ዝበዝሓ ካብ ጥሪትና ብሰንኪ እዚ ተደጋጋሚ ደርቂ ስኢና፡ ካብ ናይ ሕርሻ መሬት ንረኽቦ እቶት የለን ከም ውጽኢቱ ድማ ግዳያት ጥምየት ኮይና ኣለና። ሕጂ’ውን እንተኾነ ዝናብ ኣይሓርምን’ዩ ዘሎ።”

ኣብ 2016 ዓ.ም ዘጋጠመ ለውጢ ክሊማ ኤል ኒኖ ብከቢድ ዝተተቕዓ ምብራቓዊን ደቡባዊ ክፍላት ኣፍሪቃ’ዮም።ለውጢ ክሊማ ኤልኒኖ ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዘሎ መጠን ሙቐት ብምውሳኹ ንምቅምሳል ምህርቲ ሕርሻ፡ ንምጉዳል ምዕባለ ኢኮኖሚ ንምውሳኽ ዋጋ መግቢ ምክንያት ኮይኑ’ሎ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብሓደጋ ጥምየት ዝተጠቕዓ ክፋላት ኢትዮጵያ ቀረብ ንመግቢ ዘድልይ ዘይቲ ውሑድ ከምዝኾነ ይገልጹ ። ቀረብ ጥረምረን ኣእኻል’ውን ኣብ ዝመጽእ ውሑድ ኣዋርሕ ከምዝውዳእ ይሕብሩ።

ነቲ ኣገልግሎት ሕክምና ዘይረኽብ ደቡባዊ ክፋል ንምብጻሕ ኾነ ናይ ህጹጽ እዋን ጉጅለ ናይ ጥዕና ሰብሞያ ኾነ መሳርሒታት ንምውፋር ድማ ገንዘባዊ ሓገዝ ከምዘየለ ይገልጹ።

ዳይሬክተር ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ውድብ ጥዕና ኣብ ኢትዮጵያ ጆን ኣይላፍ ድማ ከምዚ ክብል ብዛዕባ እቲ ኩነታት የረድእ።

“ሓደ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጠመ ብድሆታት መልሲ ንምሃብ እኹል ቀረብ ዘይምህላው’ዩ።ኣብዚ ዞባ ካብ ዘለው ሰባት 70 ሚእታዊት ጥራይ ኣብዚ ወርሒ ሓገዝ ካብ ዓለምለኸ መግቢ ዓለም ኽረኽቡ’ዮም እዚ ድማ ብሰንኪ እኩል ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይምህላው’ዩ። እቶም ወሃብቲ ሓገዝ ትካላት’ውን ይቃለሱ ኣለው፡ዝኸአሎም’ውን ይገብሩ ኣለው። ዕድል ኾይኑ ቁፅሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ልዑል’ዩ። ከም ኣብ ሶርያ ዘሎ ገፊሕ ዝርጋሓ ዘለዎ ቀውሲ ሓደ ኣብነት’ዩ። ኣብዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብይ ዝርጋሓ ዘለዎ ደርቂ ኣሎ። ዋላ’ኻ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ጻዕርታቶም እንተሓየሉ ዘለና ቀረብ ግን ምስ ዝውስኽ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ክሰማማዕ ኣይኸአለን። እዚ ድማ ክልወጥ ኣለዎ ምክንያቱ እዚ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ኢትዮጵያዊን ሓገዝ ከነብጽሕ ንኽእል።”

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት’ዚ ዘጋጠመ ሕጽረት ዝናብ ነቲ ብጉስነት ዝመሓደር ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ‘ዩ ኣጥቒዑ፡ዝሓለፈ ዓመት ግን እቲ ሓደጋ ጥምየት ኣብ ሰሜናዊን ምዕራባዊ ክፋላት እታ ሃገር’ዩ ኔሩ።

ኣብ 2016 ዓ.ም ኣስታት 18 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን 1.7 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ረኺቦም ኔሮም ካብዚ ፍርቂ ድማ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ዝተረኽበ ኔሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንጉስ ሳልማን ዝውነን ማእከል ሰብኣዊ ሓገዝ ሓደ ሚልዮን ዶላር ናብ ደቡብን ምብራቓዊ ክፋላት እታ ሃገር ዝኻየዱ ጻዕርታት ሰብኣዊ ሓገስ ለጊሶምን።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሓደጋ እዋን ምኽልኻል ኣማኻሪ ኣቶ ታደሰ በቀለ “ ረኣዩ ዕድለኛታት ኣይኮናን ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ዘጋጥም ቀውሲ ኢና ንዛረብ ዘለና፡ ይኹን እንበር መንግስቲ ነቲ ሓደጋ ንምቁጽጻር ፖሊሲ ሓንጺጹ’ሎ። እንተኾነ ብሰንኪ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኮነ ኩነታት ለውጢ ክሊማ ዝመጽእ ኣዋርሕ ዘሎ ኩነታት ዝናብ ድማ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ይገብሮ።”

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ደርቂ ንምምካት ልዕሊ 900 ሚልዮን ዶላር ኣብ ወርሒ ጥሪ ምሕታቱ ይዝኸር።

ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ደርቂ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ የድልዮም እዚ ድማ ኣብ ኬንያ ዘለው 2.7 ሚልዮን ኣብ ሶማል ዘለው 2.9 ሚልዮን ወሲኹ’ዩ።

XS
SM
MD
LG