ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሳዕቤን ደርቂ ኣብ ደቡባዊን ምብራቃዊን ኢትዮጵያ


ደርቂ ዘጥቀዖ ከባቢ
ደርቂ ዘጥቀዖ ከባቢ

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ደርቂ፣ በዝሒ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 5.6 ሚልዮን ምኻኖም ካብ ዝግለጽ ውዒሉ ሓዲሩ’ሎ። ጉድኣት’ቲ ደርቂ ኣዝዩ ዝበርተዐሉ ግና ኣብ ቦረናን ጉጂን ክልላት ኦሮምያ፣ ኣብ ምብራቅ ሃረርጌን ክልል ሶማሌን’ዩ።

ነባራይ ነገሌ ቦረና ዞባ ጉጂ ዝኾኑን መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱን ሰብ ‘ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ’ዘን ክልተ መዓልታት ውሑድ መጠን ዝናብ ከምዝወቅዐ ገሊጾም። እንተኾነ ኣብ’ቲ ከባቢ ንዘጋጠመ ሞት ጥሪት ንምድሓን ግና እኹል ኣይኮነን ኢሎም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተማሃሮ ካብ ትምህርቶም ከምዝቦኸሩ፣ ጸገም ዝስተ ማይ ከምዝተራኣየ፣ ከብቲ ይሞታ ዘለዋ ዝሰትየኦ ማይን ዝበልዐኦ ሳዕሪ ስለሳኣና ከምዝኾነን ብሕማም ስለዝተጠቕዓ ምኻኑ ገሊጾም፣ ሞት ሰባት ብዝምልከት ግና በተን ዝርካበን መጠነኛ ረድኤት ይናበሩ ከምዘለው ሓቢሮም።

ኮምሽነር ሓደጋ፣ ስግኣትን ድልዉነትን ክልል ኦሮምያ ኣቶ መኮንን ሌንጀሶ ብወገኖም፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጥራሕ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባያይ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጾም።

ኣቶ መኮነን ከምዝበልዎ፣ ክልላዊ መንግስቲ ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ተሓባቢሩ ክሳብ 1 ሚልዮን ቅርሺ መዲቡ ይንቀሳቀስ ከምዘሎ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG