ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሓባራዊ ቤት ምኽሪ ዘስምዕዎ መደረ ኣንፈት ፖሊሲ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ክልቲኡ ቤት ምኽሪታት
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ክልቲኡ ቤት ምኽሪታት

መበል 45 ፕረዚደንት ኣሚሪካ ሚስተር ዶናልድ ትራምፕ ንፈላማይ መደረ ኩነተ ሃገር ንህዝቢ ኣሜሪካን ኣባላት ክልቲኡ ቤት ምኽሪን ኣቕሪቦም።

'ሎሚ ምሸት ንወርሒ ጸለምቲ ኣሜሪካዊያን ኣብ ንዛዝመሉ እዋን፣ ሃገርና ኣብ ጎደና ሰብኣዊ መሰላት ንዘሕለፈቶ ጉዕዞን ንዝተረፈና ዕማማታትን ኣዘኻኺሩና'ሎ ኢሎም። ኣብ ልዕሊ መካነ መቃብር ይሁዳዊያን ዝተፈጸመ ጥቕዓት፣ ኣብ ከተማ ካንሳስ ዝተፈጸመ ቅትለት፣ ከምመጠን ሃገር ኣብ ፖሊሲታት ዝተመቓቀልናም ምኳና ሓባሪ'ዩ ግን ንጽልኣትን ግናይ ተግባራትን ንምኹናን ግና ዝሓበርና ኢና' በሉ።

'ሓድሽ ምዕራፍ ጎብለልነት ኣሜሪካ ይኽፈት ኣሎ፣ ኣብ ዙርያ ሃገርና ስምዒት ኩርዓት ይፍጠር'ሎ ይብሉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ። ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ንዕዘቦ ዘለና 'መንፈስ ኣሜሪካ ይሕደስ ከምዘሎ ሓባሪ' እዩ' እውን ኢሎም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መደረኦም ጉዳያት ቁጠባ፣ ዶብ ኢምግረሽንን፣ ሕጹይ ላዕለዋይ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ፣ ምቅልባስን ምትካእን ፕሮግራም ክንክን ጥዕና (ኦባማኬር)፣ ኣኽበርቲ ጸጥታ፣ ምድንፋዕን ምሕያልን ሰራዊት ኣሜሪካ፣ ምድጋፍ ሓይልታት ኣሜሪካ ብሓፈሽኡ ምምሕዳሮም ኣብ'ዘን ዝሓለፋ ሳምንታት ኣመዝጊብዎ ዝበልዎ ውጽኢት ኣጉሊሖም።

'ሰራዊት ኣሜሪካ ንውግእ ዘብርዕን ሓይሊ ክኾን'ዩ፣ ውግእ ምፍሻል እንተዘይተኻኢሉን ናብ ውግእ እንተኣትዩን ግና ዝህሉ እማራጺ ዓወት ጥራሕ'ዩ' ኢሎም ትራምፕ።

ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ 'ምስ ኔቶ (ኪዳን ሃገራት ሰሜን ኣትላንቲክ)፣ ሃገራት ምእከላይ ምብራቅን ርሑቅ ምብራቅን ዝህሉ ክልተኣዊ ጽምዶ ኣብ ምክብባርን ነጻነትን ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣሎ። ዛጊድ እኳ ኣባላት ኔቶ ብጽሒተን ይኸፍላ ጀሚረን ኣለዋ' ኢሎም ዶናልድ ትራምፕ።

'ኣነ ወካሊ ህዝቢ ኣሜሪካ'ምበር ወካሊ ህዝቢ ዓለም ኣይኮንኩን' እውን በሉ እቶም ፕረዚደንት።

ስቲቭን በሽር ኣማሓዳሪ ኬንታክይ ዝነበሩ'ዮም ንዴሞክራሲያዊያን ወኪሎም መልሲ ንመደረ ትራምፕ ሂቦም ኣለው። 'ተግባር ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ሻምፕዮን ዲታታት'ምበር ሻምፕዮን ህዝቢ ኣይገበሮምን' ኢሎም።

ጽባሕ ረቡዕ ኣብ ልዕሊ መደረ ኩነተ-ሃገር ፕረዚደንት ትራምፕ ስፍሕ ዝበለ መደብ ክህልወና'ዩ። መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ'ውን ኣብ መደረ ኩነተ-ሃገር ትራምፕ ዘተኮረ ክኾን'ዩ።

ሙሉእ መደረ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ'ዚ 'መለግብ'ዚ' ተታሒዙ ቀሪቡልኩም ኣሎ።

http://learningenglish.voanews.com/a/trumps-address-to-joint-session-of-congress/3744658.html

XS
SM
MD
LG