ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራጻይ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኽተልዎ ፖሊሲ ወጻኢ


ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ
ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ኣብ 2016 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተዓወቱ ዶናልድ ጄይ ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኽተልዎ ፖሊሲ መሰረቱ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ካብ ግምት ዝሓለፈ ቅኑዕ መልሲ ምርካብ ኣይካኣልን። ምኽንያቱ እቶም ተመራጻይ ፕረዚደንት ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ብዛዕብኡ ዝተዛረብዎ ነገር ስለዘየለ።

እንተኾነ ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ዘብርህሎም መድረኻት መቃናት ፖሊሲ ወጻኢ ንግዲ፣ ሃገራዊ ድሕነት ዝጸልው ውግእ ግብረ ሸበራ፣ ኢምግረሽንን ካልኦትን ከምዝኾኑ ይጠቅሱ ነይሮም።

ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ካብ ሞንጎ ዝኾነን ኣብ ወፍሪ ንትራምፕ ምረጹ ተወዲቡ ይንቀሳቀስ ዝነበረን ኣቶ ላባን ስዩም 'ኣፍሪቃ ብውሱን ጎኑ ኣብ ንግዲን ቁጠባን ከምኡውን ኣብ ውግእ ግብረ ሸበራ ትኹረት ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ክትረክብ'ያ' ይብል።

ካልእ ጋሻና ኣቶ ሃብታይ ዕቁባዝጊ ብወገኑ 'ፖሊሲ ወጻኢ ዴሞክራሲያዊያንን ሪፐብሊካዊያንን፣ ኣብ ረብሓ ኣሜሪካ ዘመእከለ ስለዝኾን፣ ብዙሕ ለውጢ ኣይንሪኤሉን' በለ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:20 0:00

XS
SM
MD
LG