ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጁቡቲ ሓይልታት ጸጥታ ብዝኸፈትዎ ተኩሲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ሞይቶም


ኣብ ጅቡቲ ሓይልታት ጸጥታ'ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ቶኽሲ ከፊቶም ኣስታት 19 ሰባት ከምዝቐተሉ ተቓወምቲ ገሊጾም።

ንሃይማኖታዊ መራሒ ሸኽ ዮኑስ ሙሴ ንምዝካር ዝተኣከቡ ሰባት ንምብታን ወታሃደራት ምፍታኖም ናይ ዓይኑ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ገሊጾም።

ጋዜጠኛ ቪኦኤ ካብ ጁቡቲ አብ ዝሃቦ ጸብጻብ ብዉሑዱ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 10 ድማ ቆሲሎምን ኣለው።

ምንጭታት ተቓወምቲ ግን ክሳብ 19 ዝኾኑ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይገልጹ።ብዝሒ ዝጠፍአ ሂወት ብነጻ ወገን ኣይተረጋገጸን።

መንግስቲ ጅቡቲ አብ ዘውጾኦ መግለጺ ብረት ዝሓዙ ሰባት ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ መጥቓዕቲ ስለዝፈጸሙ ወታደራት ናብቲ ቦታ ምልኣኹ ገሊጹ'ሎ።

ብኻልእ ዜና ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ጥቓ ማእኸል ዕዳጋ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ቦምብ ብምፍጃሩ ብዉሑዱ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት 25 ሰባት ከምዝቆሰሉን ኣል-ሸባብ ድማ ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ምውሳዱ ተፈሊጡ'ሎ።

(ቪድዮ) ጎንጺ አብ መንጎ ተቓወምትን ፓሊሲን

ጂቡቲ: ጎንጺ ኣብ ሞንጎ ተቓወምትን ፖሊስን ታሕሳስ 21, 2015
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:41 0:00

XS
SM
MD
LG