ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ሾሮኽ ኣብ ትግራይ ተቐልቂሉ


ተሓከምቲ ኣብ ሆስፒታል መቐለ
ተሓከምቲ ኣብ ሆስፒታል መቐለ

ኣብ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ፣ኣብ ኣስገደ ፅምብላን ቃፍታ ሑመራን ጊዜ ዘይህብ ሕማም ውፅኣትን ተምላስን ከምዝተረኣየ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዛጊድ ብጠንቂ እቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ የለን እውን ይብል ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ መረዳእታ።

ሕክምናዊ ሓላፊ ሆስፒታል መቐለ ዶክተር ጸጋይ በሪሁ እቲ ሆስፒታል ንሕሙማት ፍሉይ ህንጻ መዲቡ ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ይህብ ምህላዉ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ኣብ ማይጸሎት ዝሕፀቡን ዝሰትዩን ዘለዉ ሰባት ክረምቲ ምስ ምዃኑ እቲ ማይ ይብከል ስለዘሎ ሰባት ይጥቅዑ ምህላዎም ነዚ ድማ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ብምርድዳእ ፍታሕ ይድልየሉ ምህላዉ ዶክተር ጸጋይ ተዛቦም።

ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብ ምክልኻል ሕማማትን ቅድመ መጠንቀቕታን ዝሰርሑ ኣይተ ዮሃንስ ገብረሃወርያ ብወገኖም እቲ ሕማም ዛጊድ ልዕሊ ዓቕሚ ክልላዊ ምንግስቲ ከምዘይኰነ ገሊፆም፤ ተወሰኽቲ 400 ኣለይቲ ሕሙማት ተቘፂሮም ስልጠና ከምዝወሰዱ እውን ሓቢሮም።

እቲ ሕማም ንምክልኻል ሕብረተሰብ ፅርየቱ ክሕልው ከምዝግባእ ሰብ ሞያ ጥዕና ደጋጊሞም ይምዕዱ።

ሕማም ሾሮኽ ኣብ ትግራይ ተቐልቂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:24 0:00

XS
SM
MD
LG