ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዝሒ ኣብ ማያት ግብፂ ዝተገልበጠት ጀልባ ዝተረኸበ ሬሳ 202 በፂሑ


እንተወሓደ 450 ሰባት ፅዒና ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማያት ግብፂ ካብ ዝተገልበጠት ጀልባ ዝተረኽበ ሬሳ 202 ምብፅሑ ሓደ ብዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ገሊፆም።ትማሊ ሰሉስ ካብታ ጀልባ ተወሳኺ 30 ሬሳታት ወፂኡ’ሎ።

ዝሓለፈ 21 መስከረም 2016 ኣ/ፈ ኣብ ወሰን ባሕሪ ሜድትራኒያን ካብ ዝተገልበጠ ጀልባ ሰራሕተኛታት ኣድሕን ህይወትን ገፈፍቲ ዓሳን ን169 ሰባት ኣድሒኖም እዮም።ክንደይ ከምዝጠፍኡ ሕዚ እውን ርግፀኛ ንምዃን ኣይተኽኣለን።እታ ጀልባ ግብፃዊያን፣ሱዳናዊያን፣ኤርትራዊያንን ሱማሊያዊያንን ስደተኛታት ፅዒና ከምዝነበረት ሰበስልጣን ገሊፆም ኣለው ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ።

ዓለምለኸ ውድብ ስደተኛታት /IOM/ ግን እንተወሓደ 450 ሰባት ተፃዒኖም ከምዝነበሩ ሓቢሮም።ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት ልዕሊ 3,200 ፍልሰተኛታት ብሜዲትራኒያ ኣቢሎም ክሰግሩ ከምዝሞቱን ልዕሊ 300 ሽሕ ኣብ ወሰን ማያት ኣውሮፓ ከምዝኣተውን IOM ገሊፁ።ኣብ 2015 ኣ/ፈ ካብ ማእኸላይ ምብራቕ፣ኣፍሪካን ኢሲያን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ናብ ኣውሮፓ ኣትዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG