ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 13 ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብ ደቡብ ሱዳን ግጥም ኹዕሶ እግሪ እንግሊዝ ኣብ ዝርእዩ ዝነበሩ እኹባት ሰባት ብዝተኸፍተ ተኹሲ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 13 ምብጽሑ ፖሊስ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ዛጊት ምስቲ ኹነታት ብዝተአሳሰር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝአተው ሰብ ከምዘየለ ይሕብሩ። ፖሊስ እቲ ነቲ መጥቓዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ብውልቁ ዝፈጸሞ እዩ ኢሎም ከም ዝአምኑ ምኽትል ወሃቢ ቃል ሃገራዊ አገልግሎት ፖሊስ እታ ሃገር ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG