ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸሓፊ ዓምዲ ኢንተርነት ኢትዮጵያዊ ስዩም ተሾመ ብህጹጽ ክፍታሕ ትካል ተማጓቲ ደሕንነት ጋዜጠኛታት ጸዊዑ


ጸሓሪ ዓምዲ ኢንተርነት ስዩም ተሾመ
ጸሓሪ ዓምዲ ኢንተርነት ስዩም ተሾመ

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝምህረሉ አምቦ ዩኒቨርሲቲ ወሊሶ ካምፓስ ዝሓለፈ ቀዳም ተወሲዱ ዝተአሰረ ስዩም ተሾመ ብህጹጽ ክፍታሕ ተማጓቲ ደሕንነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ጸዊዑ።

መምህርን ጸሓፊ ዓምዲ ኢንተርነትን ዝኾነ ስዩም ተሾመ ኣብዚ እዋን’ዚ አበይ ከምዘሎ ክፍለጥ ከምዘይተኻእለ ተማጓቲ ድሕንነት ጋዜጠኛታት (CPJ) አፍሊጡ።

ወኪል እቲ ትካል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሙረቲ ሙቲጋ ስዩም ተሾመ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣብ ኢንተርነት ብዘውጽኦም ጽሑፋት እናተፈልጠ ዝመጸን “ኢትዮ ቲን ታክ” ኣብ ዝተባህለ ዓምዲ ኢንተርነት ሓሳቡ ብድፍረት ዝገልጽ ምሁር’ዩ ክብል ገሊጽዎ።ንዓለምለኸን ናይ ውሽጢ ሃገር መሓውራት ዜና ርእይትኡ ብምሃብ’ውን ይፍለጥ ኢሉ።

ሓደ ካብቲ ስዩም ብተደጋጋሚ ርእይቶ ዝሃበሉ ጉዳይ ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ ኣእዳዉ ብምልዓል ናይ ተቓውም ምልክት ዘርኣየ ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ ብዝምልከት ንጋዜጣ ኒዮርክ ዝሃቦ ርእይቶ’ዩ።

ትካል ተማጓቲ ደሕንነት ጋዜጠኛታት ምእሳር ስዩም ከምዘሻቀሎ ሚስተር ሙረቲ ሙቲጋ ገሊጾም።

ጸሓፊ ዓምዲ ኢንተርነት ናትናኤል ፈለቀ
ጸሓፊ ዓምዲ ኢንተርነት ናትናኤል ፈለቀ

ብኻልእ ዜና ሎሚ ሰዓታት ምሸት ቅድሚ ሕጂ ተአሲሮም ካብ ዝተፈትሑ ብዞን ትሸዓተ ዝፍለጡ ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ዝኾነ ናትናኤል ፈለቀን ካልኦት ጸደቀ ድጋፌን፡አዲስኣለም ደስታ ዝተባህሉ ውልቀሰባት ተታሒዞም ከምዝተአስሩ ጠበቃ ናትናኤል አቶ አማሃ መኮንን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

XS
SM
MD
LG