ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ንጉዳይ ጸሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርነት ዞን ትሸዓተ ሕጂ’ውን ውሳኔ ኣይሃበን


ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኣብ መንጎ ዓቃቢ ሕጊን ብተግባር ሽበራ ዝተኸሱ ፀሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርኔት እኒ ሶሊያና ሽመልስን ዝካየድ ክርክር ሎሚ እውን ውሳነ ኣይሃበን።

እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ዘይሃበሉ ምኽንያት ምስቲ መዝገብ ተተሓሒዙ ክቕርቡ ዝነበሮም መረዳእታታት ተማሊኡ ብዘይምቕራቡ ምኻኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ቤት ፍርዲ ን30 ጥሪ 2009 ዓ.ም ቆፀራ ሂቡ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ናይ ባንኪ ዓለም ተርጓሚን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ቀሺ ኦሞት ኣጉዋ ዝቐረቦም ክሲ ካብ ናይ ሽብር ሕጊ ናብ ስሩዕ ገበን ሕጊ ተቐይሩ ብ50 ሽሕ ብር ዋሕስ ትማሊ ሓሙስ ተፈቲሖም።እንተኾነ ግን ካብ ሃገር ከይወፁ ተኣጊዶም ኣለው።

ኣቶ ኦሞት ኣጉዋ
ኣቶ ኦሞት ኣጉዋ

ኣቶ ኦሞት ኣጉዋ ኣብ ክልል ጋምቤላ ቤተ ክርስቲያን መካነየሱስ ቐሺ እዮም።ናይ ባንኪ ዓለም ናይ ቁፅፅር ጉጅለ ኣብ ጋምቤላ ተፈፂሙ ዝተባህለ ናይ ባንኪ ኢንቨስትመንት በደላት ንምምርማር ኣብቲ ክልል ክንቀሳቐስ ከሎ ብኣስተርጓሚነትን ብምምራሕ መንገዲን ይሰርሑ ከምዝነበሩ ሂማን ራይትስ ዎች ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሪፖርቱ ጠቒሱዎም ኣሎ።

XS
SM
MD
LG