ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀንዲ ግዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ህጻናት’ዮም


ቦርቲ ሃዋስ ምስ ኣብ ሆስፒታል ዝርኸብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዳ
ቦርቲ ሃዋስ ምስ ኣብ ሆስፒታል ዝርኸብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዳ

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ: ህጻናት ንሕጽረት መግቢ፡ ንሕማምን ንትምህርቲ ምቁራጽን ይቃልዑ’ለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ደርቂ ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ የድልዮም። ቀንዲ ግዳያት ነቲ ሓደጋ ዝተቓልዑን ድማ ህጻናት’ዮም።

ሓንቲ ምስ ወዲ ሰለስተ ዓመት ወዳ ኣብ ሆስፒታል ትርከብ ኣደ ከምዚ ትብል።

‘ወደይ ዝሓመመሉ ምክንያት መግቢ ስለዘይረኸበ’ዩ።’

ብተወሳኺ ብዙሓት ከብቲ በቲ ዘጋጠመ ደርቂ ድሕሪ ሙሟተን እቶም ቆልዑ ንስድራ ቤቶም ንኽሕግዙ ክብሉ ናብ ቤት- ትምህርቲ ምኻድ`ውን ኣቋሪጾም`ዮም።

መንግስቲ ብፍላይ ነቶም ብሓደጋ ጥምየት፡ ሕማምን ስእነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ንዝተጠቕዑ 6 ሚሊዮን ህጻናት ንምሕጋዝ ምስ ትካላት ሰብኣዊ ጉዳያት ብምትሕብባር መግቢ በቲ ሓደጋ ንዝተጠቕዑ ወገናት ኣብ ምሃብ ይሰርሕ ኣሎ።

ሳሚኤል ተፈራ ካብ ዘይመንግስታዊ ትካል ሓገዝ ንህጻናት (Child Fund) ከምዚ ይብል።

‘ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመጣጠነ መግብን ጥምየትን ትሑት ምምዕባል ሓንጎል ኣብቶም ህጻናት ከስዕብ ይኽእል’ዩ። እዚ ድማ ነቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምዕባለ’ውን ዘዛሕትል’ዩ። ብተወሳኺ ከም ውጽኣት ዝኣመሰሉ ሕማማት’ውን ይረኣይ’ሎ።’

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 800 ሚሊዮን ዶላር ናይ ህጹጽ እዋን ሓገዝ ከምዝተረኽበ እንተኾነ መንግስቲን ትካላት ሕ/ሃ ግን ኣብዚ ዓመት ጥራይ ኣስታት 1.4 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድልይ ይገልጹ። መብዛሕትኡ ካብዚ ዝተረኽበ ገንዘብ ኣብ ምዕዳል መግቢ ዝውዕል’ዩ።

ብዝወሃብ ሓገዝ ጥራይ’ያ እዛ ኣደ ሽዱሽተ ቆልዑ ደቃ ክትምግብ ትኽእል።

ሓንቲ ካብተን ሓገዝ ዝረኸባ ካብ ከባቢ ክልል ኦሮሞ ከምዚ ትብል።

‘ብሰንኪ’ቲ ደርቂ ብዘይ’ቲ ካብ መንግስቲ ንረኽቦ ሓገዝ ዋላሓደ ነገር የብልናን። ንደቅና ንህቦም መግቢ የብልናን። ዝስተ ማይ’ውን የብልናን።’

ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ምብራቅን ደቡባዊ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘጋጠመ ኩነታት ለውጢ ኣየር ኤል-ኒኖ፡ ክሳብ ዓመተ 2017 ሓገዝ መግቢ ከምዘድልይ ይግለጽ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀንዲ ግዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ህጻናት’ዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:11 0:00
ቀንዲ ግዳያት ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ደርቂ ህጻናት’ዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:01 0:00

XS
SM
MD
LG