ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ መዓልቲ ዋዕላ ሪፖብሊካውያን ብርቱዕ ዕግርግር ዝተራእየላ መዓልቲ ኮይና ሓሊፋ


ቀዳመይቲ መዓልቲ ዋዕላ ሪፖብሊካውያን ኣብ ሞንጎ ነቲ ዝቐረበ ሓድሽ ንድፈ ሕጊ ዝድግፉ ንሕጹይነት ዶናልድ ትራምፕ ዝቃወሙ ኣባላትን ነቲ ንድፈ ሕጊ ዝቃወሙ ደገፍቱን ብርቱዕ ዕግርግር ዝተራእየላ መዓልቲ ኮይናያ ሓሊፋ።

ኣብ መዛዘሚ ዋዕላ ናይቲ ዕለት: ዶናልድ ትራምፕ ብኣዝዩ ምዕሩግ ስነ-ስርዓት ናብቲ መድረኽ ድሕሪ ምእታው ንበዓልቲ ቤቱ መላንያ ትራምፕ ናብ ዋዕለኛታት ኣላልዮም።

በዓልቲ ቤት ትራምፕ መላንያ ትራምፕ ንዋዕለኛታት ኣብ ዝሃብኦ መደረ ሕጹይነት ትራምፕ ንሰልፊ ሪፖብሊካውያን ማዕረ ክንደይ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊጸን። ንሰን በዓልቤተን ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ ከተኣታትዎ ብዛዕባ ዝኽእል ብዙሕ ጽቡቕ ነገርን ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ዘለዎ ፍቕሪ ከይተረፈ ዘርዚረን።

መደረ መላንያ ትራምፕ ነቲ ብዋዕለኛታት ዝወዓለ ዕግርግር ዝደበሰ ኮይኑ እኳ እንተተገልጸ: ሓያሎ ካብ መደረአን ግን ምስቲ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤት ሚሸል ኦባማ ኣብ 2008 ኣብ እዋን ምምራጽ ሕጹይነት በዓል ቤተን ፕረዚደንት ኦባማ ንዋዕለኛታት ዘቕረብኦ ተመሳሳልነት ሓረጋት ተረኺብዎ ኣሎ።

በዚ ድማ: ሓያሎ ማዕከናት ዜና: ብቕጽበት ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤት ትራምፕ ዝኾና መላንያ ትራምፕን ነቲ ብትራምፕ ዝእለ ኣባላት ጎስጓስን ተሪር ወቐሳታት ኣብ ምቕራብ ተጸሚደን ኣለዋ።

ቀዳመይቲ መዓልቲ ዋዕላ ሪፖብሊካውያን ብርቱዕ ዕግርግር ዝተራእየላ መዓልቲ ኮይና ሓሊፋ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:17 0:00

XS
SM
MD
LG