ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“መግለጺ ቀ/ሚንስትር ንእዋናዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን” ፕሮ.በየነ ጴጥሮስ


ፕሮ.በየነ ጴጥሮዝ- ፋይል
ፕሮ.በየነ ጴጥሮዝ- ፋይል

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ንእዋናዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ክብሉ ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ንማእሰርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ብዝምልከት ዝሃብዎ ርእይቶ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣቐዲሙ ፍርዲ ምሃቡ ዘርኢ እዩ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ መድረኽ ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብቕድሚ ትማሊ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኩነታት እታ ሃገር ህፁፅ ፍታሕ ዘድልዮ ምዃኑ ዝተረድአ ኣይኮነን ኢሎም።

ፕሮፌሰር በየነ ቅድም ክብል ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ምስ ተቓወምቲ ንምዝርራብ ዝተትሓዘ ትልሚ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ሕዚ እውን ከምዘሎ ዝገለፁ ኾይኖም እንተኾነ ደንጉዩ ኣሎ፣ኢህወዴግ ኣብ ውሽጡ ዘካይዶ ዘሎ ተሃድሶ እውን ውሽጣዊ ፅገና እዩ፤ንሕቶ ህዝቢ ዝመለሰ ኣይኮነን ክብሉ ስኽፍትኦም ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝተኣሰሩ ምስ ሓይልታት ፀረ ሰላም ውዲት ብምፍፃሞም እዩ ዝበሉዎ እውን ካብ መራሒ መንግስቲ ክዝረብ ዘይነበሮ እዩ ክብሉ ነቒፎም።

መደረኽ ይኹን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ንናይታ ሃገር ንፀገማት መፍትሒ ዝኾኑ ሓሳባት የብሎምን ንዝብሉ ነቐፍቲ እውን ፍልጠት ዝውሓዶም ክብሉ ፕሮፌሰር በየነ ነቒፎምዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG