ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልና ሕግን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክመሓየሽን ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ አተሓሳሲቦም


ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ስቴፈን ዲዮን
ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ስቴፈን ዲዮን

ኣብ ልዕልና ሕግን አተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላትን ምምሕያሽ ክህሉ ከምዘድልይ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝተመያየጡ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ስቴፋን ዲዮን ኣፍሊጦም።

ንሶም ብተወሳኺ ዝበለጸ ልዕልና ሕጊ ምስ ዝህልውን ህዝቢ’ውን ዝበለጸ ነጻነት ምስዝህልዎ ካናዳዊያን ሰብ ሃብቲ ናብ ኢትዮጵያ ንኽመጹ ኸነእምኖም ንኽእል ክብሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ስቲፈን ዲዮን ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኣብ መዛዘሚ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘኻየድዎ ዑደቶም ኾይኑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ወርቅነህ ገበየሁ ምምይያጦም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG