ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከባቢ ቡዱሖል ሶማሊላንድ ብሰንኪ ሕማም ኮሌራ ትሸዓተ ሰባት ሞሟቶም ተሓቢሩ


 ከባቢ ቡዱሖል ሶማሊላንድ
ከባቢ ቡዱሖል ሶማሊላንድ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝዳወብ ናይ ሶማሊላንድ ከባቢ ቡሖድል ብሰንኪ ኮሌራ ብውሑዱ ትሽዓተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት 31 ሕሙማት ድማ ናብ ሆስፒታል ከምተዓቕቡ ሚኒስትር ጥዕና ዓብዲ ኣዳም ኑር ገሊፆም።

ሚኒስትር ጥዕና ሶማሊላንድ ዓብዲ ኣዳም ኑር ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝዳወብ ከባቢ ብዱሖል ዝተለዓለ ኮሌራ ምስ ምንቅስቓስ ሰባት ኣብ ዶብ ዝተፈጥረ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሎም።ነቲ ለበዳ ንምክልኻል ሶማሊላንድ ዶባ ከምዝዓፀወት እውን ገሊፆም።

ሚስተር ኑር ናይቲ ሕማም ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ እዩ ኢሎም።

ሚንስትር ኑር እቲ ሕማም ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይላባዕ ተዳሊና ኣለና ኢሎም ኣለው።ንሕፅረት ኣመጋግባ ዝከታተላ ተንቀሳቐስቲ ጉጅለታት ከምዝተጣየሻን ኮሎራ ንዝሓመሙ ሰባት ዝሕክሙን ሕፅረት ኣመጋግባ ንዘለዎ ሰባት ድማ ናይ ምምጋብን ስራሓት ይሰርሑ እዮም ኢሎም።

ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ዳሮር ምንቅስቓስ ሰባት ንምድራት ምስ ሰበስልጣን ጥዕና ኢትዮጵያ ይሰርሑ ከምዘለው እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG