ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ምውሳና ኣብ መላእ ዓለም ፖለቲካዊን ቁጠባውን ሻቕሎት ፈጢሩ


ትማሊ ሓሙስ 23 ሰነ ኣብ ብሪጣንያ ክካየድ ኣብ ዝወዓለ ረፈረንዱም፥ ብሪጣንያውያን ሃገሮም ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድምጺ ወሲኖም። እዚ ውሳነዚ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ብርቱዕ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

እዚ ናይ ብሪጣንያውያን ካብ ኣባልነት ኤውሮጳዊ ሕብረት ናይ ምውጻእ ውሳነ : ካብ ቶክዮ ጃፓን ክሳብ ኤውሮጳን ክንዮኡን ዘንጎድጎደ ብፍላይ ኣብ ቁጠባውን ፊናንስያውን ጽላታት ዓለም ሓያል ስንባደ ፈጢሩሎ። ኣብ ኤስያ ብፍላይ: እቲ ቁጠባውን ፊናንስያውን ዝፈጠሮ ነውጺ ሓያል ብምንባሩ: ዞባዊ መራሕቲ ሃገራት ኤስያ ብህጹጽ ክእከቡ ቀሲብዎም ኣሎ።

ብመሰረት ተረኺቡ ዘሎ ጸብጻብ ዕዳጋታት ሆንግ ኮንግ ብ ኣርባዕተ ሚእታዊት ከንቆልቁል ከሎ: ኣብ ቶክዮ ጃፓን እቲ ምንቁልቋል ናይ ሾሞንተ ሚእታዊት ብምንባሩ: ኩሉ ኣህጉራዊ መሸጣታት እታ ሃገር ንግዚኡ ክውንዘፍ ተገዲዱሎ።

ካብ ብሉምበርግ ዝተረኽበ ግምታት ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከምዝሕብሮ: በዚ ነውጺዚ ዋጋታት ብምጉዳሉ ድሮ ክሳብ 700 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ኣስዒቡሎ።

ኣብ ብሪጣንያ ዋጋ ፖውንድ ዝተባህለ ባጤራታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ 31ን ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ቁጽሪ ወሪዱ ኣሎ። ደቡብ ኮርያ ብወገና እዚ ምንቁልቋል ባጤራ ብርቱዕ ሻቕሎት ኣብ ቁጠባታ ሃገር ብምፍጣሩ ኣብ ሃገራ ናይ ህጹጽ እዋን ኣኼባ ብምግባርን ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ብምትእትታውን ክትገትኦ ትፍትን ኣላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ደቪድ ካሜሮን ንውሳነ ብሪጣንያውያን ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ህዝቢ ብሪጣንያ ንጹር ዝኾነ ውሳነዩ የሕሊፉ ኢሎም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ፈረጅ ናጅል ዝተባህለ ብሪጣንያዊ ፖለቲከኛ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንኽትወጽእ ኣበርቲዖም ካብ ዝሰርሑ ንውሳነ ብሪጣንያውያን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ በቲ ውሳነ ሓበን ከምዝተሰምዖ ገሊጹሎ።

ከምዝፍለጥ ጉዳይ ኣባልነት ብሪጣን ያ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ሞንጎ ፖለቲከኛታት ከይተሓጽረ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣካታዒ ጉዳይ ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ንኣባልነት ብሪጣንያ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንኩነታት ስደተኛታትን ኣበርቲዓ ትሕለቕ ዝነበረት ጆይ ኮክስ ዝተባህለት ኣባል ባይቶ ብሪጣን ያ ኣብ መንገዲ ተቐቲላ ነይራ።

ፖሊስ ብሪጣንያ: ቀታሊ ጆይ ኮክስ ኣባልቶም ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ትውጻእ ዝብል ፖለቲካዊ ምትሕሓዝ ከይህልዎ መርመራ የካይዱ ምህላዎም ተገሊጹ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG