ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድፋዕ ዳዕሽ ብዝገዘፈ ግን ኑክሌር ዘይዓጠቐ ቦምባ ኣሜሪካ ተጠቒዑ


ኣሜሪካ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝርከብ ድፋዕ ዳዕሽ ዝገዘፈ ግን ኑክሌር ዘይዓጠቐ ምዃኑ ዝተነግረሉ ቦምባ ደርብያ።

እቲ ማዘር ኦፍ ኦል ቦምብስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግዙፍ ቦምባ ኣብቲ ቦታ ምስ ዳዕሽ ዝዋግኡ ዘለው ኣሜሪካውያንን ኣፍጋኒስታውያንን ወታሃደራት ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተኻየደ ምዃኑ ተነጊሩ።

እቲ ቦምባ 21 ሽሕ ፖውንድ ዝምዘን ኮይኑ ብሳተላይት ተመራሒ ምዃኑ'ውን ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

GBU43 ወይድማ MOAB (Mother Of All Bombs) ማለት ቃል ብቓሉ ኣደ ናይ ኩሉ ቦምባታት ምዃኑ'ዩ: ኣብ ልዕሊ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ዒላማታት ዳዕሽ ምድርባዩ ንድፍዓት ኩቦናቑር ዝኽእል: ዝለዓለ ጉድኣት ዘውርድን ብትኽክል ዒላማኡ ዝወቅዕን ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ናይ ዝርከብ ሰራዊት ኣሜሪካ ላዕለዋይ ኣዛዚ ጀነራል ጆን ኒኮልሶን ነዚ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ "ኣብ ገስጋስና ንዘጋጥመና ዕንቅፋታት ዘነክን ናህርና ድማ ደው ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ንእነካይዶም መጥቃዕትታት ድማ ዘንህርን እዩ" ክብሉ ገሊጾሞ ኣለው።

XS
SM
MD
LG