ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተገልበጠት ጀልባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ


ኣብ ገማግም ደሴት ላምባዱሳ ብመርከብ ጣልያን ዝደሓኑ ስደተኛታት- ሚያዝያ 17,2016 ዓ.ም.ፈ
ኣብ ገማግም ደሴት ላምባዱሳ ብመርከብ ጣልያን ዝደሓኑ ስደተኛታት- ሚያዝያ 17,2016 ዓ.ም.ፈ

ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ጀልባ ተገልቢጣ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ምብራቕ ኣፍሪካዊያን ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ።መብዛሕቲኦም ሶማሊያዊያን ምዃኖምን ኢትዮጵያዊን ኤርትራዊያንን ከምዝርከቡዎም ተገሊጹ።

መሰኻኽርን ብህይወት ዝተረፉን ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝሃብዎ ቃል እታ መርከብ ኣስታት 500 ሰባት ጽዒና ከምዝነበረት ገና ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ሰባት ኣብ ጥቓ እታ ዓባይ መርከብ ናብ ዝነበራ ናኣሽቱ ጀልባታት ሓምቢሶም ከመዘምለጡን ናብ ግሪክ ከምዝተወስዱን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ሓደጋ ዝበጸሐ ዝሓለፈ ሰሙን 8 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም.ፈ እዩ።

ኢትዮጵያዊያ ታጅድን ሑሴን ወላዲት ኣዲኡን ክልተ ኣሕዋቱን በቲ ሓደጋ ምሟቶም ዝገለጸ ክኸውን ኸሎ ካብቲ ሓደጋ ዝድሓነ ካልእ ሓው ከምዝነገሮ ገሊጹ’ሎ።ቅድም ክብል ንወላዲት ኣዲኡ ተዛሪበየን ዝበሎ ከምዚ ይብል።

‘ምኻድኪ ዘይተረፈ ኣብ ክልተ ተመቒልኩም እንተተጓዒዝኩም ይሓይሽ ኢለያ።እንተሞትና እውን ሓቢርና ኢና ንምውት ኢላ ሰለስተ ደቃ ሒዛ ኣትያ ምስ ክልተ ኣሕዋተይ ህይወታ ስኢና።’

ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ካብ ዝተረፉ ውሑዳት ሰባት ሓደ ምዃኑ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝገለጸ ኢትዮጵያዊ ሙሳ መሓመድ ኣዳም ንሱ ዝርከቦም ኣስታት 200 ስደተኛታት ብንእሸትይ ጀልባ ኣቢሎም ካብ ግብጺ ከምዝተበገሱ ይገልጽ።

ንሱ ኣስታት 500 ዝኾኑ ሰባት ኣብታ ዓባይ ጀልባ ተጻዒኖም ከምዝነበሩን 30 ሰባት ጥራሕ ሓምቢሶም ናብታ ዝመጹላ ንእሸትይ ጀልባ ከምዝተመልሱን ከምዝደሓኑን ይዛረብ።

ሊባን ቃዲር ጃማ ዝተበሃለ ሶማሊያዊ እታ መርከብ ብዓይኑ እናርኣየ ከምዝጠለቐትን ንኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ከምዝድሓኑን ገሊጹ።

ንሱን ካልኦት መሰኻኽርን ከምዝገለጽዎ ግሪካዊያን ወይም ጣሊያናዊያን ሓለወቲ ማይ መጺኦም ቅድሚ ምድሓኖም ትሽዓተ መዓልታት ኣብ ባሕሪ ከምጸንሑ ይዛረብ።

ሎሚ ሶኑይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝወጹ ሓበሬታታት ከምዝሕብሩዎ መብዛሕቲኦም ካብዞም ዝሞቱ ሰባት ሶማሊያዊያን ክኾኑ ኸለው ኢትዮጵያዊያን ኤርትራዊያንን ከምዝርኸብዎም እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተገልበጠት ጀልባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ይግለጽ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:26 0:00


XS
SM
MD
LG