ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሽተን ኢተንን ገንዘቤ ዲባባን ኮኸብ ኣትሌታት 2015 ተባሂሎም ተመሪፆም


 ኣሽተን ምስ ገንዘቤ
ኣሽተን ምስ ገንዘቤ

ኣሜሪካዊ ኣሽተን ኢተንን ኢትዮጵያዊት ገንዘቤ ዲባባን ናይ ሎም-ዘበን ብሉፃት ኣትሌታት ዓለም ተባሂሎም ብዓለም-ለኸ ፌደረሽን ኣትሌትክስ ተመሪፆም።

ንጃማይካዊ ኡሰይን ቦልት ስዒሩ ናብ'ዚ ክብሪ'ዚ ዝበቅዐ ኢተን ርእሲ ቅድድም ዲካትሎን ክኾን ከሎ ገንዘቤ ዲባባ ድማ ኣብ 1500 ሜትሮ ጉያ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊባ ዝተዓወተት'ያ።

IAAF ወይ ዓለም-ለኸ ፌደረሽን ኣትሌትክስ ንካልኦት ኣትሌታት'ውን ሽልማት ኣበርኪቱ'ሎ። ምሩፅ ዓላሚ፣ ጋዜጠኛ ስፖርት፣ ኣገራሚ ፍፃመ ንዝነበሮም ኣትሌታት ወርቃዊ ጫማ ሸሊሙ'ሎ። ዝርዝሩ ኣብ ናይ ሶኒ መደብ ስፖርት ክቀርብ'ዩ።

ገንዘቤ ዲባባ ናይዚ ዓመት ብልጽቲ ኣትለት ኮይና ተረቊሓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:46 0:00

XS
SM
MD
LG