ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ሳይንስን ተክኖሎጂን፡ ኣብ ፈስቲቫል ሳዋ፡ ምህዞታት ብምቕራብ ዝተዓወቱ መንእሰያት


ፈስቲቫል መንእሰያት ሳዋ 2016
ፈስቲቫል መንእሰያት ሳዋ 2016

ኣብ ሳዋ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል መንእሰያትን ተማሃሮን፡ ብሳይንስን ተክኖሎጅን ብሉጽ ምህዞታት ንዘቕረቡ መንእሰያት ሽልማት ዘውህብ ውድድራት ተኻይዱ ኔሩ።

ካብ`ቶም ዝተዓወቱ ሓደ መንእሰይ እንጅነር ኣሕፈሮም ተኸስተ፡ “ብዓውዲ መካኒካል እንጅነሪንግ ሓንቲ ናይ ጽርየት ማሽን” ከምዘቕረበን፡ ንሳ`ውን ከምጎማ ኾይኑ ብዝሰርሕ ጅርስ ተጠቒማ እናኾስተረት ነቲ ርስሓት ናብ ውሽጢ ከምተእትዎ ይገልጽ።

ንሱ ነታ ከም `ቫክዩም` ኾይና ተገልግል ማሽን ብምስራሕ ካልኣይ ደረጃ ብምውጻእ 7ተ ሺሕ ናቕፋ ከምዝተሸለመ ይገልጽ።

ካልኣይ ኣቤል መሓሪ ይብሃል፡ ኣብ ዕደና፡ ኣብ ወተሃደራውን ካልእን ክተገልግል ትኽእል ናይ ርሑቕ መቆጻጸሪ ወይ `ሪሞት` ሰርሑ።

ዕላማና ኣብ ከባቢና ለውጢ ንምምጻእ ዝሰራሕናያ`ያ ይብል ካልእ ፍትሓዊ በረኸት ምስ ዝተባህለ መንእሰይ ኾይኖም ከምዝሰርሕዋ ንምግላጽ።

ወኪል ቪኦኤ ብርሃነ በርሀ ንሰለስቲኦም መንእሰያት ተዓወቲ ምህዞታት ፈስቲቫል ሳዋ ኣዘራሪቡ ዝለኣኾ መደብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:26 0:00

XS
SM
MD
LG