ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረና ትግራይ ሓድሽ ኣቦ መንበር መሪፁ


ኣይተ ኣብርሃ ደስታ
ኣይተ ኣብርሃ ደስታ

ዓረና ትግራይ ጥሪ 27ን 28ን 2009 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘኻየዶ ራብዓይ ውድባዊ ጉባኤኡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምሁር ፖለቲካዊ ሳይንስ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ክኸውን መሪፁዎ።

ዓረና ትግራይ ብተወሳኺ 25 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን 11 ፈፀምቲ ስራሕን መሪፁ'ሎ፡፡ ሓደ ካብቶም ኣባላት ፈፀምቲ ስራሕ ኣብ ከተማ መቐለ ወናኒ ማርቆስ ሆስፒታል ዶክተር ማርቆስ ገሰሰ ይርከብዎም።

ሓድሽ ተመራፂ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ኣይተ ኣብርሃ እቲ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ'ሎ ዝበልዎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን መፍትሒኡን ኣመልኪቱ ኣብቲ ጉባኤ ብስፍሓት ከምዝተዘተየሉ ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓፂር መግለፂ ሓቢሮም፡፡

ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ብገበን ምፍጣር ራዕዲ ተጠርጢሮም ንክልተ ዓመታት ተኣሲሮም ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዓረና ትግራይ ሓድሽ ኣቦ መንበር መሪፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:21 0:00

ዓረና ትግራይ ሓድሽ ኣቦ መንበር መሪፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:47 0:00

XS
SM
MD
LG