ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስ ኣረጋሽ ኣዳነ ዝተካየደ ቃለ-ምልልስ (2ይ ክፋል)


ኣረጋሽ ኣዳነ
ኣረጋሽ ኣዳነ
ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተራ ደቂ-ኣነስትዮ ሰላሳ ሚእታዊ ሒዙ ከምዝነበረ ዝጠቀሰት ኣረጋሽ ኣዳነ፣መሰላት ደቂ-ኣነስትዮ ኢትዮዽያ ብሙሉእነት ኣይተረጋገፀን ትብል።ህወሓት/ኢህወዴግ ንደቂ-ኣነስትዮ ማዕረ ደቂ-ተባዕትዮ ንመደባቱን ዕላማታቱን እሙናት ኮይነን ክሳብ ዘገልገላ ክመርፀን‘ዩ።

ካብኡ ዝሓለፈ ግና፣ብቤተ-ሰባዊ ኣተሓሳስባ ናብ ስልጣን የብቅዕ‘ዩ ዝብል ገምጋም የብለይን‘ውን ትብል ብዛዕባ ወ/ሮ ኣዜብ መስፍንን ወ/ሮ ትርፉ ኪ/ማርያምን ናብ መዝነት ኮሚቴ ፈፃሚት ዝበፅሓሉ ኣገባብ ክትግምግ ከላ።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ ካልኦት ክልላት ኢትዮዽያ ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ዘይኽበረሉ ኩነታት ኣሎ‘ውን ትብል ንሳ።ኣባላት ዓረና ትግራይ መሰሎም እናተጋሃሰ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ኣብ‘ታ ክልል መሰላት ዜጋታት ይኽበር‘ዩ ዝብል ኣገላልፃ ሰበ-ስልጣን ህወሓት ቅቡል ኣይኮነን‘ውን ኢላ ኣረጋሽ ኣዳነ።
ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:40 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG