ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ይቀላቐል ምስዘሎ ሓዱሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናበይ ገፁ?(3ይ ኽፋል)


ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብዚ እዋን እዚ ብስነኪ ዘጋጠመ ከቢድ ድርቂ ጥምይተን ዓፀቦን ኣንፀላሊዩዎ ይርከብ።ሃገራት ዓረብ ናብቲ ዞባ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወታደራዊ መደብራት ይኸፍታን ይቀላቐላን ምስ ምህላወን ሓድሽ ጆኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ተዓዘብቲ ይገልፁ።

ብኻሊእ ወገን ድማ እቲ ዞባ ብማሕበረ ቁጠባዊ ዘፈራት ንምትእስሳር ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለው ንኣብነት ጁቡቲን ኢትዮጵያን ብዘመናዊ ሃዲድ ባቡር፣ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ብማይን ብኣውራ ጎደናን፣ኢትዮጵያን ኬንያን ብኣውራ ጎደናንን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ኢትዮጵያን ሱዳንን ድማ ብሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ብኣውራጎደናን ሕዚ ድማ ሃዲድ ባቡር ከምዝዝርጋሕ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሓቢሮም ኣለው።

ኣብ ቀረባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበፅሑ ናይ ሱዳን ፕሬዝዳንት ዖማር ኣል-በሽር ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብቲ ዞባ ሓደ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ኤርትራ እውን ናይዚ ኣካል ንምግባር ፃዕርታት ክግበር እዩ ኢሎም ኣለው፤ዖማር ኣል-በሽር።

ልዕሊ ኩለን ሃገራት ናይዚ ዞባ ዝዓበየ ምትእስሳር ዘለወን ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ እውን ህዝብታተን ይባኽን ዘሎ ዕድላት ክመሓይሽ እንታይ ክግበር ከምዘለዎን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዝምልከት ክኽተሎ ዝፀናሕኹ ፖሊሲ ለውጢ ክገብር እየ ዝበለቶን መምህርን ተመራማሪን ታሪኽ ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤልን ኣብ ፖለቲካ፣ሚዲያን ስቪካዊ ማሕበርን ዝሳተፍ ናይ PhD ተምሃራይ ኣቶ ኣሉላ ሰለሞንን ሪቶታቶምን ናይ መፍትሒ ሓሳባቶምን ኣካፊሎምና ኣለው።

ኣብዚ ይስምዑ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:32 0:00

XS
SM
MD
LG