ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፊት ንፊት ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ይቀላቐል ምስዘሎ ሓዱሽ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምዕባለን ቀርኒ ኣፍሪቃ ናበይ ገፁ? (1ይ ክፋል)


ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤልን ኣቶ ኣሉላ ሰሎሞን
ዶ/ር ዓወት ወልደሚካኤልን ኣቶ ኣሉላ ሰሎሞን

ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 70 ዓመታት ተራኢዩ ዘይፍለጥ ብዝተባህለ ድርቅን ጥምየትን ተጠቒዓ ኣስታት 20 ሚሊዮን ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላሊዩዎም ከምዝርከብ ይግለፅ ኣሎ።ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ሶማል፣ደቡብ ሱዳን፣ኬንያ፣ኢትዮጵያን ሓዊሱ ኣስታት 17 ሚሊዮን ሰባት ንድርቅን ጥምየትን ስለዝተቓልዑ ረድኤት የድልዮም ኣሎ።

‘ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከድምዑ ዝኽእሉ መንግስታት ስለዘለው ክወርድ ዝኽእል ሓደጋ ውሑድ እዩ’ ይብል ካናዳ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ኩውኒስ መምህርን ተመራማራይን ታሪኽ ዶ/ር ዓወት ወልድሚካኤል።ዶ/ር ዓወት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዓት ሶማሊላንድ መፅናዕታዊ ስራሓት ይሰርሕ ኣሎ።ኣብ ሶማል ምስ ምድኻም እቲ መንግስትን ኩነታት ፀጥታ ሓደገኛ ምስ ምዃኑን ነቲ ድርቂ ከምዝተሓላለኾን ንሱ ኣብዝበፅሖ ከባቢ ሶማሊላንድ ዝርከብ ሰበኽ-ሳግም ልዕሊ 50 ሚእታዊት ጥሪቶም ከምዝሃልቁ ካብ ናይሮቢ ብስልኪ ገሊፁልና’ሎ።ነቲ ድርቂ ግብረመልሲ ማሕበረሰብ ትሑት ምዃኑ ይገልፅ።

‘እዚ ዞባ እዚ ብተደጋጋሚ ብድርቂ ምስ ምጥቕዑ ኣብ ለገስቲ ትካልትን ሃገራት ምስልቻው ኣሎ፤ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም እውን ካልኦት ቅልውላዋት ስለዘለው ዓለም ሓይሉ ተኸፋፊሉ ስለዘሎ ጠመተ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ሓደጋ ኣዚዩ ውሱን እዩ’ ይብል ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ሚዲያ፣ፖለቲካን ሲቪክ ማሕበራትን ዝዋሳእን ናይ መዓረግ ዶክትሬት ትምህርቱ ኣብ ምክትታል ዝርከብን ኣቶ ኣሉላ ሰለሞን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:13:04 0:00

XS
SM
MD
LG