ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰላማዊ ተቃውሞ ሕጋዊ ክኸውን አፍልጦ ክወሃቦምን አለዎ' - አምስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር ኣሜሪካ


ተሓላቒ ሰብአዊ መሰላት ዝኾነ አምስቲ ኢንተርናሽናል ትማሊ አብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ጸረ-ሽበራ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጭካነ ዝመልኦ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ሚኒስተር ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ አቶ ጌታቸው ረዳ ዜጋታት ነቲ ማስተርፕላን ክቃወሙ መሰሎም’ዩ እንተኾነ ካልኦት አብ ወጻኢ ዘለዉ ጉጅለታት’ዮም ነዚ ናይ ሽበራ ተግባር ዘለዓዕሉ ዘለዉ ክብሉ ገሊጾም’ዮም። ስለዝኾነ ግብረ ሓይሊ ጸረ-ሽበራ ሓይሊ’ታ ሃገር አብ ዝሓለፈ ሰሙን መግለጺ አውጺኡ።

ብዛዕባ እቲ ስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ አምስቲ ኢንተርናሽናል ጨንፈር USA ሓላፊ ማነጂንግ ዳይረክተር መንግስታዊ ርክባት ዝኾኑ Adotei Akewi ከምዚ ይብሉ።

'መንግስቲ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ይመስለኒ። እዚ ድማ ልሙድ ተርእዮ’ዩ ፡ ምክንያቱ እቲ ስርዓት ካብ ደገ ኮነ ካብ ውሽጢ ንዝመጽእ ነቐፌታ ኮነ ሕቶ ክጸውር ዘይክእል ስርዓት’ዩ። ባዕላቶም’ዮም ነቲ ኩነታት አብዚ አብጺሖሞ ። ነጻ ወይ ማእከላይ ዝኾነ ተዓዛቢ ከይአተው ከልኪሎም። አብዚ እዋን ንዓለም-ለኸ ሕብረተሰብ ግሉጽነት አገዳሲ’ዩ ምክንያቱ ሰባት ነቲ ዘሎ ኩነታትን ምዕባለታትን ማህበራዊ መራኸቢ ተጠቂሞም ክዝርግሑን ንሓድ-ሕዶም ኽኻፈሉን ከለው ተኣማንቲ ምንጭታት ክእመን ዝኽእል ርእይቶ ክህቡ አለዎም። እዚ ክኸውን ምስ ዘይፍቀድ ግን እቲ ዘሎ ዕድል ጭካኔ ዝተመልኦ ስጉምታት መንግስቲ ዘርእይ አሳእልን መግለጺ መንግስትን’ዩ ጥራይ’ዩ ። ካብ ሕሉፍ ታሪክ ድማ መግለጺ መንግስቲ አተሓታቲ'ዩ፡ ምክንያቱ አብ እዋን ተቃውሞታት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽብሩ ፍቃደኛታት ድዮም? እቲ ጸረ-ሽበራ ዝብል ኣዘራርባ ክእመን ዝኽእል ኣይኮነን።'

እቲ ቀንዲ ጉዳይ ናይ ባህሪ ለውጢ’ዩ ሰላማዊ ተቃውሞ ሕጋዊ ክኾኑን አፍልጦ ክወሃቦምን አለዎ እዚ ምስ ዘይከውን ግን ተቃውሞታት ናብ ጎነጽ ክቅየሮ ዘሎ ዕድል ገፊሕ’ዩ ክብሉ’ዉን ወሲኾም አረዲኦም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG