ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ካብ ምግዳብ ክቑጠብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ጸዊዑ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናጽነት አገልግሎት ኢንተርነት ብምዕፋን ሰብኣዊ መሰላት ገዲቡ ዝፈጸሙ ምግሃሳት ናብ አደባባይ ከይወጹ’ውን ገዲቡ’ሎ ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝጸውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣምንስቲ ኣብቲ ጸብጻቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ንምጭፍላቅ ኣብ ዝገበሮ ጻዕርታት ካብ ሕዳር 2015 ዓ.ም ዝጀመረን ናብ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዘመርሕን ማዕበል ተቃውሞታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቃውሞ ሰልፈኛታት ዝፈጸምዎ መጥቓዕትታት ከይግለጽ ንምግታእ ንማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ዓምዲ ኢንተርነትን ብሜላን ዘይህጋዊን መንገዲ ዓፊኑ ክብል ገሊጹ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ጸብጻብ ሓደ ወገን ጥራይ ዝኾነን ናይ መንግስቲ ወገን ዘይሓወሰን ናይ ባዕላቶም ዝተፈልየ መበገሲ ዘለዎም አካላት ዘቕረብዎ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG