ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 10 ነባራትን 12 ሓደሽትን ዝሓቖፈ ካብኔ ሸይሙ


ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ
ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ

ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 10 ነባራትን 12 ሓደሽትን ዝሓቖፈ ካብኔ ብምሻም ተዛዚሙ።ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ምኽትሎም ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለምን ኣብ ስልጣኖም ክቕፅሉ እዮም።

ድሕሪ ናይ ክልል ኣምሓራ ተቓውሞ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መጀመሪያ ናይ ስልጣን ምምቕራሕ ካቢኔ ካብ ዝተሸሙ 22 እቶም 12 ሓደሽቲ እዮም።ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ምኽትሎም ኣቶ ብናልፍ ኣንዱኣለም ኣብቲ ዝፀንሕሉ ስልጣን ከምዝቕፅሉ ተሓቢሩ’ሎ።ትሽዓተ ነባር ሓለፍቲ ቢሮ እውን ኣብ ዝነበሩዎ ስልጣን ክቕፅሉ እዮም።

ዝርዝር ሹመኛታት ዘቕረቡ ኣማሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ገዱ ሓደሽቲ ምሁራን ብምሻም እቲ ካብኔ ብዝተማሃረ ሓይሊ ንምሕያል ተፈቲኑ’ሎ ኢሎም።እቲ ሓድሽ ካብኔ ንሕቶታት ህዝቢ ዝምልሽ ዝህብን ክሳብ ታሕቲ ዘለው መሓውራት ምምሕዳር እውን ንሕቶታት ህዝቢ ብዝምልስ ኣገባብ ከምዝውደብን ገሊፆም ኣለው።

“ብደረጃ ክልል፣ዞባታት፣ወረዳታትን ጣቢያታትን ዳግመ ውዳበ መሪሕነትን ምሽግሻግን ክካየድ እዩ።እቲ ሕብረትሰብ ዘልዕሎም ሕቶታት ብብቕዓት ንምምላስ ብዝኽእለሉ ደረጃ ስራሓት ዳግመ ውዳበ ክስርሑ እዮም።”

ስልጣን ንመጥቀሚ ውልቃዊ ረብሓ ናይ ምውዓል ዝንባለ ሓደ ሽግር ምዃኑ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ምግላፁ ይዝከር።በዚ መሰረት ካብዚ ሒዝናዮ ዘለና መጀመሪያ ዓመት ናይ ለውጢ ስጉምትታት ከምዝውሰዱ ብምሕባር ኣብ ክልል ኦሮሚያን ፈደራላዊ መንግስትን ናይ ካብኔ ምሽግሻግ ተኻይዱ፤እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደውን አካል’ቲ ብሃገራዊ ደረጃ ዝኻየድ መስርሕ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ 10 ነባራትን 12 ሓደሽትን ዝሓቖፈ ካብኔ ሸይሙ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:00 0:00

XS
SM
MD
LG