ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዳዒሽ ተታሒዘን ዝነበራ 28 ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ነጻ ምውጽአን ተገሊጹ


ብዳዒሽ ተታሒዘን ዝጸንሓ 28 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሎሚ ረቡዕ ሓሙሽተ ሚያዝያ ናጻ ከምዝተለቃ ተሓቢሩ እዘን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሓ ደቂኣንስትዮ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት: 23 ኤርትራውያን ክኾና እንከለዋ: ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ናይጀርያውያን ምዃነን ተሓቢሩ።

ብመሰረት መግለጺ በዓል-ስልጣን ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ዝኾነ ሳልሕ ኣቡ ዘሪባ ፡ እቲ መስርሕ ምልቃቕ እዘን ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ብምትሕብባር ሰበ-ስልጣን ፍትሒ ሊብያን ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰተኛታትን ዝተኻየደ ምዃኑ ገሊጹ። እተን ሓሙሽተ ቆልዑ ዝርከብወን 23 ኤርትራውያንን ሓሙሽተ ናይጀርያውያንን ድማ ንኣባላት ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰተኛታት ተረኪበን ኣለዋ። ነናብ ሃገራተን ናይ ምምላስ ሓላፍነት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ከምዝወስድ በዓል-ስልጣን ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሳልሕ ኣቡ ዘሪባ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

እዘን ዝተፈትሓ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ፈለማ ዓመተ 2015 ሲርት ኣብ ዝተባህለት ወደባዊት ከተማ ሊብያ ብዳዒሽ ተታሒዘን ዝጸንሓ እየን።

ሓይልታት ሰራዊት ሊብያ ማለት ሰራዊት እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝመደበሩ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ነታ ከተማ ዝሓለፈ ዓመት ሓራ ድሕሪ ምግባሩ: ነተን ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ካብ ተማሪኸናሉ ዝጸንሓ ናጻ’ኳ እንተውጽአን: ወኪላት ስደተኛታት ክሳብ ናይ ምምላስ መስርሕ ዘሰላስሉ ኣብ ከባቢ ሚስራታ ዝተባህለት ሊብያዊት ከተማ ኣብ ቀይዲ ከምዘጽንሐን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ብዳዒሽ ተታሒዘን ዝነበራ 28 ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ነጻ ምውጽአን ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:37 0:00

ሓንቲ ካብተን ናጻ ዝወጸት ኤርትራዊት ስደተኛ “ ሓጎሰይ ወሰን የብሉን። ሓድሽ ህይወት ክመርሕን ምስ ቤተሰበይ ክረአእየን እየ ዝደልይ “ኢላ።

ካልእ ናጻ ዝተለቀት ስደተኛ ብወገና “ ካብዚ ምስ ወጻእኩ ህይወተይ ክቕይርየ።ተስፋ እገብር ሓድሽ ህይወተይ ድማ ጽቡቕ ክኸውን። ካብ ዳዒሽ ናጻ ምስ ወጻእኩ ኣምላኽ ይመስገን ኣዝየ ተሓጉሰ። ሕጂ ኣብ ሚስራታ በጺሕና ኣለና። ናብ ሓድሽ ቦታ ከነምርሕ ኢና በዚ ድማ ኣመና ተሓጉሰ ኣለኹ” ኢላ።

እዘን ናጻ ዝተለቃ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ተኣሲረን ዝጸንሓ እየን።

ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ እተን ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ናብ ዝረኽባሉ ግዝያዊ መጽለሊ ኣምሪሐን ከምዘለዋ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብዳዒሽ ተታሒዘን ዝነበራ 28 ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ነጻ ምውጽአን ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

XS
SM
MD
LG