ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንረድኤት ትልግሶ ገንዘብ ክንኪ’የ ምባላ ከምዘሻቐሎም ሰበ ስልጣን ሰብአዊ ረድኤት ኣፍሪቃ ይገልጹ


ፋይል - ኬንያ
ፋይል - ኬንያ

ኣሜሪካ ንረድኤት እትልግሶ ገንዘብ ክንኪ እየ ምባላ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝሰርሑ ሰበስልጣን ሰብኣዊ ረድኤት ሻቐለቶም ይገልፁ ኣለው።ኣብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግቢ ዓለም ድማ ቅልውላው ጥምየት ኣብ ኣፍሪቃን የመንን ኣብዘንፀላልወሉ እዋን ምዃኑ ድማ ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን እዩ ኢሉ’ሎ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣሜሪካ ንዓለምለኸ ረድኤት እትህቦ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝንኪ ንድፊ ኣብ ዘቕረበሉ ዘሎ ኣፍሪቃ ከቢድ ቅልውላው ጥምየት ኣንፀላሊዩዋ ይርከብ።20 ሚሊዮን ሰባት ከቢድ ሕፅረት መግቢ ዘጋጠሞም ክኸውን ከሎ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ናይጀሪያ፣ሶማልን የመንን ጥምየት ይረአ’ሎ።

ኣሜሪካ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም/WFP/ ዝዓበየት ሓጋዚት ሃገር እያ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ልዕሊ 2 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ኣወፊያ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወሃቢት ቃልትካል መግቢ ዓለም ቻሊስ ሚክዶኖ ትካለን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሎሚ ሓገዝ ከምዘድልዮ ይገልፃ።

20 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝነብርሉ ርሑቕ ከባቢ ደቡብ ሱዳን እቲ ትካል ህይወት ሰባት ንክቕፅል በነፈርቲ መግቢ ከምዝድርብ ይገልፃ።

ብመሰረት ሓደሽ ዝቐረበ በጀት ኣሜሪካ ከም ናይ ኣሜሪካ ትካል ዓለምለከ ረድኤት ዝኣመሰሉ ናይ ወፃኢ ፕሮግራማት ዝወሃብ ረድኤት ብኣስታት 30 ሚእታዊት ጎዲሉ’ሎ።

ኣብ ለንደን ናይ ዝመደብሩን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዛት ትኹረት ገይሩ ናይ ዝሰርሕ ማእኸና ዜና ኢሪን(IRIN) ዋና ኣሰናዳኢን ተንታኒን ቤን ፓርከት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ረድኤት ንዝኸፍአ ነገር ክዳሎ ኣለዎ ይብሉ።

ናይ ዋይት ሃውስ ናይ በጀት ዳይረክተር ሚክ ሙልቫኒ ንሕቡራት ሃገራት ዝምደብ በጀት ከምዝንኪ ተዛሪቦም እዮም። ኣሜሪካ ብሕታዊት ዝዓበየት ናይ ሕቡራት ሃገራት ሓጋዚት እያ።

ኣሜሪካ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረቶ ናይ በጀት ንድፊ ንምክልኻል ዝውዕል ወፃኢ ትርጉም ብዘለዎ ወሲኹ’ሎ።ዓለም ሓደገኛ እናኾነት ትምፅእ ከምዘላ ዝገለፃ ሚክዶኖ ውሕስነት መግቢ እንተድኣ ዘይተረጋጊፁ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ከምዝወድቕ ይከራኸራ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG