ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ደቀንስትዮ ዓፋር ናይ ባዕለን ዝኾነ መበቆላዊ ሜላ ተጢቒመን ንስድራቤተንን ንማሕበረሰበንን ይመርሓ" መጽናዕታዊ ወረቐት


ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንዝነብራ ደቀንስትዮ ዓፋር ናይ ባዕለን ዝኾነ መበቆላዊ ሜላ ተጢቒመን ንስድራቤተንን ንማሕበረሰበንን ከምዝመርሓ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ካብ ዝቐረቡ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣህጉራዊ ዓውደ መጽናዕቲ ኻብ መንጎ ዝቐረቡ ልዕሊ 130 መጽናዕትታት ንርእሰ-ምኽኣል ደቀንስትዮ ዓፋር ዝምልከት ሓደ መጽናዕቲ ቐሪቡ ኔሩ።

ነቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንዝነብራ ደቀንስትዮ ዓፋር ዝምልከት መጽናዕቲ ዘቕረበት ወ/ሮ ደሃብ ሱሌማን “ ደቀንስትዮ ዓፋር ነቲ ሓያልን በዳህን ዝኾነ መነባብሮ ደቡባዊ ቐይሕ ባሕሪ ብኸመይ ይገጥምኦ ንዝብል`የ ከርኢ ፈቲነ “ ትብል።

ደቀንስትዮ ዓፋር ደቡባዊ ቐይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ነቲ ናይ ባዕለን ዝኾነ መበቆላዊ ሜላ ተጢቒመን ንስድራቤተንን ንማሕበረሰበንን ኸምዝመርሓ ትገልጽ ወ/ሮ ደሃብ።

ንሳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ኸም ጽፍሪ ዓሳ ዝበሉ ነገራት ተጠቒመን ንወጻኢ ሃገራት ኸይተረፈ ዝሽየጥ ጨናን ኻልእ ካብ ባሕሪ ዝርከብ ጠቓሚ ነገራትን ከምዝሰርሓ ብተወሳኺ ትገልጽ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘቕረበት ወ/ሮ ደሃብ፡ “ነቲ ሕርካ ጠቒመን ኣብ ክንዲ ዝድርብይኦ፡ ናብ`ቲ ባሕሪ ኸምዝመልስኦ-እዚ ድማ እንደገና ፈርዩ ኻልእ ሕርካ ኣብቁሉ እንደገና ከምዝጥቀማሉ ንርኢ “ ድማ ትብል።

XS
SM
MD
LG