ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንገዲ ባቡር አዲስ አበባ ጅቡቲ ተመሪቑ


መንገዲ ባቡር አዲስ አበባ ጅቡቲ ሎሚ ረቡዕ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ’ሎ።እዚ መንገዲ ባቡር ነቲ ሸውዓተ መዓልታት ዝወስድ ዝነበረ ጉዕዞ አዲስ አበባ ጅቡቲ ናብ ጉዕዞ ሸውዓተ ሰዓታት ከምዘሕጸሩ ተገሊጹ’ሎ።መራሕቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲ’ዮም ነቲ ሓድሽ መንገዲ ባቡር መሪቆም ከፊቶምዎ።

እዚ ንዋና ከተማ ኢትዮጵያ ምስ ወደባዊት ጅቡቲ ዘራኽብ መንገዲ ባቡር 750 ኪ.ሜ ዝተዘርገሓ ኮይኑ አስታት 4 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምተገብረሉ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብቲ ኣብ አዲስ አበባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምረቓ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ነበርቲ’ታ ከተማን ተረኺቦም’ዮም።

እዚ መንገዲ ባቡር ናይ መጀመርያ ብሓይሊ ኤሌትሪክ ዝሰርሕ ኣብ አህጉር ኣፍሪቃ ዝተዘግሓ መንገዲ ባቡር እዩ።

እዚ መንገዲ ባቡር ነቲ ኣብ 1800 ብፈረንሳ ዝተሰርሓ መንገዲ ባቡር ዝትኽእ’ዩ።

ናይ ኢትዮጵያ መንገዲ ባቡር ናይ ኮሚኒኼሽን ማነጀር አቶ ደረጄ ተፈራ ብዛዕባ’ቲ ፕሮጀክት ከምዚ ይብሉ።

“ እዚ ካብቲ ንኣፍሪካ ንምርኻብ ዝስራሕ ፕሮጀክት አካል’ዩ። ንኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ክትራኸብ እድል ዝኸፍት’ዩ ብተወሳኺ ዋጋን ግዜን መጉዓዝያን ዘጉድል ኾይኑ ካብ ብኸላ ነጻ ዝኾነን ዝሕደስ ጸዓት ዝጥቀምን’ዩ።”

መንገዲ ባቡር አዲስ አበባ ጅቡቲ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:07 0:00

እዚ ብቻይናዊ ናይ ምሕንድስና ትካል ዝተሓንጸ መንገዲ ባቡር ሰለስተ ርብዒ ካብ ወጻኢታቱ’ውን ብናይ ቻይና ባንክ ዝተሸፈነ ኽከውን ከሎ ዝተረፈ ድማ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ሸፊኑዎ።

ብተወሳኺ ቻይና ነቲ መንገዲ ባቡር ነተን ባቡራት ንዝሰርሑ ሰባት ስልጣና ትህብ’ላ።

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብ8 ሚእታዊት ይዓብይ እንተሎ’ኻ ትሑት ኩነታት መንገዲን ነዊሕ ዝጸንሑ ጽርግያታትን ጸገም ኮይኖም ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ 5,000 ኪ.ሜ ርሕቀት ዝሽፍን ካልእ መንገዲ ባቡር ውሽጢ ሃገር ኣብ 2020 ንምሕናጽ መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

መንገዲ ባቡር አዲስ አበባ ጅቡቲ ተመሪቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:26 0:00

XS
SM
MD
LG