ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ዳናይት" ዛንታ ብወላዲኣ ዝተዓመፀት ጓል ኣንስትየቲ


ኣብ ትግራይ ውቕሮ ክልተ ኣውላዕሎ ሓደ ወላዲ ንክልተ ደቁ ንሄለንን ዳናይትን ከምዝደፈረ ቅድሚ 15 ዓመታት መዘራረቢ ኰይኑ ነይሩ።

ብሰንኺ እዚ ድማ ኣብተን ቈልዑ ተደራረብቲ ፀገማት ወሪዱ። ሄለን ካብ ወላዲኣ ክልተ ጊዜ ጥንሲ ሰዲዳን ዳሓር ድማ ወሊዳ ኰይኑ ግና ውላዳ ብህይወት ኣይቀፀለን።

ዳናይት በሰንኪ እቲ ዝበፀሓ ዓመፅ ካብ ጓል 10 ዓመት ኣትሒዛ ምስ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ትነብር።

ወላዲአን ተታሒዙ ብዋሕስ ከምዝተለቐን ዳናይት ትገልፅ። ኰይኑ ግና ወላዲአን ካብ ቤት ማእሰርቲ ሃዲሙ ከምዝወፀን ብድሕሪኡ ኣብ ዑና ወለዱ ተሓኒቑ ከምዝሞተን ሓፍቲ ኣዲአን ከምዝነገረተን ትገልፅ። ስለዝኾነ ድማ ክሳብ ሎሚ ፍትሒ ኣይረኸብናን ትብል።

ዳናይት
ዳናይት

ዛንታ ዳናይት ኣብዚ ሰሙን እዚ ብመጽሓፍ ተሰኒዱ ናብ ህዝቢ ተዘርጊሑ'ሎ። ነቲ መጽሓፍ ዘሰናደአቶ ደራሲት ወይኒ ኣብርሃ ትበሃል።

ወይኒ እቲ ንምእማኑ ዝኸብድ ዛንታ ንምጽሓፍ ክሳብ ንዓርሳ ምቁፅፃር ከቢዱዋ ምንባሩ ትገልፅ።

ዳናይት ብህይወት እንተላ ዓቘራቶ ዝነበረት በደል ብመጽሓፍ ናብ ህዝቢ ምቕራቡ ከምዘሐጐሳ ምስ ድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ ምልልስ ተዛሪባ። ዳናይት ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብቲ ቫይረስ ናፃ ዝወፀት መክሊት ዝሰመየታ ጓል ወሊዳ እያ። ኰይኑ ግና ን14 ዓማውቲ ምሉእ ዝወሰደቶ መድሓኒት ፀረ ኤች ኣይ ቪ ምስቲ ጉስቁል ናብራኣ ክትፃወሮ ኣይከኣለትን። ስለዚ ነቲ መድሃኒት ነይራ ነይራ ከምትወስዶ ብፍላይ ሎሚ ምእንተ ጓላ ክትብል ኣምዑታ እናተቓፀለ እውን ትወስዶ ምህላዋ ትገልፅ።

መጽሓፍ "ዳናይት" ኣብዚ ሐዚ እዋን ብርክት ዝበለ ህዝቢ የንብቦ ከምዘሎን ዋላ እኳ በቲ ተግባር እንተሓዘነ ፅቡቕ ርእይቶ ይህብ ምህላዉን ደራሲት ወይኒ ኣብርሃ ገሊፃ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

"ዳናይት" ዛንታ ብወላዲኣ ዝተዓመፀት ጓል ኣንስትየቲ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:55 0:00

XS
SM
MD
LG