ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ግብጺ ኣትዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ንናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ሎሚ ዓርቢ ግብጺ ኣትዮም። ዕላማ ዑደቶም ሰላም ኣብ መንጎ ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን እታ ሃገር ንምምዕባል ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሰስ ምስ ናይታ ሃገር ዝዓበየ መስጊድ ኢማም ሸኽ ኣሕመድ ኣል-ጠይብ፡ ምስ ፕረዝደንት ዓብደልፋታህ ኣል-ሲሲ ከምኡ’ውን ምስ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያ ግብጺ ጳጳስ ታዋድሮስ ተራኺቦም ከምዝዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ግብጺ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጉ ኣብ ትሕቲ ናይ ህጹጽ እዋን ጊዜ ከምዘላ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG