ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርኢት ሙዚቃ ህጻናት መዓስከር ስደተኛታት ካራተፕ-ግሪክ

ኣብ ሰሜናዊምብራቕ ደሴታት ሌስቦስ-ግሪክ ዝርኸብ ካራተፕ መዓስከር ስደተኛታት ዝርኸቡ ህጻናት ኣብ ወርሒ ታህሳስ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ሙዚቃ ንምርኢት ኣቕሪቦም ኔሮም።

እዚ ምርኢት ኤንጅልስ ረሊፍ ቲም ብዝበሃል ግብረ ሰናይ ትካል ዝተዳለወ ኾይኑ እዚ ጉጅለ ንልዕሊ 60 ህጻናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈላለየ ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ምሂሩ’ዩ።

እቶም ህጻናት ካብ ሶርያ፡ኤርትራ፡ኮንጎ፡ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ናብታ ደሴት ዝተሰደዱ’ዮም።

XS
SM
MD
LG