ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ


ትማሊ ሰንበት ሽዱሽተ ሓምለ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድ ድር ማራቶን ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሰ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኤርትራዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሰ ንማራቶን ኒውዮርክ ብ ሰዓትን ደቒቕን ካልኢትን ብምፍጻሙዩ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ኮይኑ።

ኣትለት ግርማይ ነዚ ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ዝተጎናጸፎ ዓወት ወሲኽካ ብሓፈሻ ተሸላሚ ክልተ ወርቂ መዳልያ ክኸውን በቒዑ ኣሎ።

ኣብቲ ማራቶን ኬን ያዊ ኣትለት ሉቃስ ሮቲች ካልኣይ ኣመሪካዊ ኣትለት ዓብዲ ዓብድራሕማን ድማ ሳልሳይ ኮይኖም ነቲ ዝተሰርዓሎም ርሕቐት ዛዚሞሞ።

ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ ማራቶን ኒውዮርክ ድማ ኬን ያውያን ኣትለታት ሜሪ ኬታኒን ሳሊ ኪፕዮጎን ቀዳማይን ካልኣይን ኮይነን ክዕወታ እንከለዋ: ኣመሪካዊት ኣትለት ሞሊ ሀድል ድማ ሳልሰይቲ ኮይና ተዓዊታ።

ኢትዮጵያውያን ኣትለታት ኣሰለፈች መርግያን ኣያንቱ ደቦቅን ሻድሻይን ዓስራይን ደረጃ ሒዘን ነቲ ውድ ድር ምፍጻመን ኣባል ድምጺ ኣመሪካ ሰለሙን ኣባተ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG