ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ጣልያን ብገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንሸውዓተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣእቲዮም


ሎሚ ባሕቲ መስከረም ፓሊስ ጣልያን ከምዝሓበሮ ድማ፡ ብገበን ምስጋር ሰባት ዝሕተቱ ሸውዓተ ሰባት ኣሲሮም።

ብሰኑይ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሚዲተርንያን ክንድኡ ዝኾኑ ፍልሰተኛታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ክድሕኑ ፈላማይ`ዩ ይብል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ገባሪ-ሰናይ ትካል።

ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ 40 ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 6,500 ሰባት ኣብ ኤውሮጳ ንኽሰግሩ ኣብዝፈተንሉ እዋን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ከምዝድሕኑ ተገይሩ`ሎ።

ብዙሓት ካብኦም ኤርትራውያንን ሶማልያንን ምዃኖም ዝገለጹ ከምኡ`ውን ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝመጹ`ዮም። “ኣካላውን ስነ-ልቦናውን መጉዳእቲ ዝወረዶም ናብ ሕክምና ተወሲዶም ኣለዉ” ይብል ኣተሓባባሪ መርከብ ዶብ ኣልቦ ሓካይም።

ብተመሳሳሊ ዜና ትማሊ ረቡዕ ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን ሱዳን፡ 190 ስደተኛታት ናብ ሊብያ ክሰግሩ ክብሉ ከምዝሓዝዎም ገሊጾም ኣለዉ።

እቶም ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ሶማልን ምዃኖም ድማ እቶም ሰበስልጣብ ኣፍሊጦም ኣለው። ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ምድሪ ሱዳን ጀነራል ኣልሰር ሓሰን በሺር ሓምድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ዝበርዓንዎ ፍልሰት ብኤውሮጳውያን ዝተቐናበረ ምንባሩ ገሊጹ። “ ዝኾነ ሰብ ካብ ሞቓዲሾ ወይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወይ ካብ ኣስመራ፡ ብመኪና ተበጊሱ ኤውሮጳ ክኣቱ ኣይክእልን`ዩ። ነዚ ዝገብሩ ብኤውሮጳውያን ዝምርሑ ኣህጉራዉያን ትካላት ኣለዉ “

ምስ`ቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት፡ 14 ኣሰጋገርቲ'ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮምምህላዎም ስበ-ስልጣን ሱዳን ኣፍሊጦም። ሓላፊ ጸጥታን ስለያን ሱዳን ጀነራል ኣዝሃሪ ከማል ኣሕመድ ብወገኑ ፡ ካብቶምዝተታሕዙ ስደተኛታት ሓደ፡ ዘመናዊ መሐበሪ ኣንፈት ማለት GPS ሒዙከምዝተረኽበ ብተወሳኺ ይገልጽ።

“ ካብ መንጎ`ቶም ዝሓዝናዮም ኣስገርቲ ሓደ፡ ዝተራቐቐ መሳርሒ ማለት ኣንፈት መሐበሪ GPS ተረኺብዎ`ሎ። ነቲ ኣንፈት መሐበሪ ዘመናዊ መሳርሒ ተጠቒሞም፡ ሰራዊት ዘይብሉ ከባብታት ብምርኣይ መንገዶም ይቕጽሉ ማለት`ዩ “

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝፈልሱ ስደተኛታት ንሱዳን ከም መተሓላለፊት ሃገርናብ ግብጺ ይኹን ናብ ሊብያ ተጠቒሞም ካብኡ ናብ ኤውሮጳ ከምዘምርሑይፍለጥ።

ኣብ`ዚ ዝሓለፈ 2ተ ኣዋርሕ ጥራሕ ነዞም ናይ ሕጂ 19 ወሲኽካ ብድምር ልዕሊ 800 ሰባት ኣብ`ቲ ኸባቢ ብዝተመሳሳሊ ኩነታት ከምዝተታሕዙ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ`ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:55 0:00

XS
SM
MD
LG