ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝተቐተሉን፡ ኣሸሓት ኸምዝተኣስሩን ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብዝተላዕለ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ፡ ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝተቐተሉን፡ ኣሸሓት ኸምዝተኣስሩን ዝገለጸ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ፡ ንቐተልቲ ናብ ፍትሒ ንምቕራብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ከምዘይተራእየ ገሊጹ።

መንግስቲ ብወገኑ፡ ነቲ ናይ ምጽራይ ጉዳይ ከምዝድግፍ፡ እቲ ምጽራይ ክካየድ ዘለዎ ግን ብፓርላማ ብዝተመስረተ ናይ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣቢሉ ከምዝካየድ ይገልጽ።

መድረኽ ግን፡ ንሱ`ውን እንተኾነ ካብ ንህዝቢ ምትላል ሓሊፉ ዝወሰዶ ስጉምቲ የለን ይብል።

ዝርዝር ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG