ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቃድሾ ብመጥቃዕቲ ኣልሸባብ 6 ሰባት ተቀቲሎም ካልኦት 25 ኸኣ ቆሲሎም


ኣብ ሞቃድሾ ሎሚ ዓርቢ ብመጥቃዕቲ ኣልሸባብ 6 ሰባት ተቀቲሎም ካልኦት 25 ኸኣ ቆሲሎም። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ጥቃ ፕረዚደንታዊ ቤተ-መንግስቲ ሶማል ኣብ ዝርከብ ህቡብ ሆቴል'ዩ ተፈፂሙ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ስለላ ሶማል ንቪኦኤ ከም ዝባልዎ እቲ ብርቱዕ ነታጊ ኣብ ጥቃ መፈተሺ ነቁጣ ሴዋይ- ሆቴል ተተኩሱ ኣርባዕተ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ሶማል ቀቲሉ ኢሎም።

ካልኣይ ቦምብ ኸእ ኣብ ጥቃ'ቲ ሆቴል ተተኩሱ ፡ ክልተ ዕጡቓት ኸእ ኣብቲ ሆቴል መጥቃዕቲ ንምፍፃም ኣብ ዘመርሕሉ ኣብቲ ቦታ ብዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ፀጥታ ሶማል ተቀቲሎም ክብሉ'ውን ወሲኾም ገሊፆም።

ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀምኩ አነ'ዩ ክብል ሓላፍነት ወሲዱ'ሎ።

ብዉሕዱ 16 ዝቆሰሉ ሰባት ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ክብል ሪፖርተር ቪኦኤ ሓቢሩ'ሎ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝበልዎ ኸኣ እቲ ብርቱዕ ነታጊ ኣብ ጥቃ'ቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ከባቢ ንዝነበሩ ኣባይቲ ኣፍሪሱ ሓያለ ሰባት ቆሲሎም'ለዉ።

XS
SM
MD
LG