ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተኹሲ ኣብ ማእከል ከተማ ኡጋድጉ- 29 ተቐቲሎም


ኣብ ርእሰ-ኸተማ ቡርኪናፋሶ ኦጋድጉ፡ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሆተላት ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ከብድ ተኹስን ፍንጀራን ተሰሚዑ። 29 ሞይቶም ብዙሓት ቆሲሎም።

እቲ መጥቃዕቲ ብሰለስተ ጅሃዳውያን`ዩ ተኻይዱ። ዋይት ሃውስ ነቲ ፍጻመ ብኸቢድ ኾኒንዎ`ሎ።

እቲ ሆቴል ምዕራባውያን ዘዘውትርሉ`ዩ ተባሂሉ። ሓንቲ መኪና ትቃጸል ኔራ። እቲ ተኹሲ ሰለስተ ዕማመት ዝተኸደኑ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ መሰኻኽር ገሊጾም።

ኣብ ፊት ንፊት`ቲ ሆቴል ኣብ ዘሎ ካፌ `ውን ከምኡ ተኹሲ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG