ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ብዓመፅ ንምዕላው ዝፍትኑ ተቃወምቲ ኣለው’ - ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ


ፓርላማ ኢትዮዽያ
ፓርላማ ኢትዮዽያ
ናይ ጎደና ህውከት ተጠቂሞም መንግስቲ ንምዕላው ዝሰርሑ ተቃወምቲ ኣለው ኢሎም ኣጠንቂቆም ቀ/ሚ ኢትዮዽያ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታት ተሓባቢርካ ብዛዕባ ምስራሕ ኣመልኪቱ ንዝቀረበሎም ክምልሱ ከለው፣ብጠንቂ ገለ ተቃወምቲ ፓርቲታት ክላዓል ዝምነይዎ ዓይነት ፅድያ ዓረብ እናፀበበ‘ዩ መፂኡ ኢሎም።

ኣቶ ሃይለማርያም ኣብ ዘረበኦም፣ህውከት ናይ ጎደና ከላዕሉ ዝውጥኑ ተቃወምቲ ከምዘለው ዝሕብር መርተዖ ኣለና ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ተቃወምቲን ገዛኢ ፓርቲን ዘሎ ርክብ ኣመልኪቶም ዝሓተቱ እንኮ ተቃዋሚ ኣባል ፓርላማ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ብወገኖም፣ምፍታሕ እሱራት ብዝምልከት፣ግልፂ ገበን ዝፈፀሙ ምፍታሕ ጥራሕ ዘይኮነ፣ናይ ሽብር ምልክት ተለጢፍዎም ዝተኣሰሩ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ይፈትሑ ዝብል መርገፂ ኣለና ኢሎም።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG