ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ-መሕትት ሎናርድ ቪንሰንት - ብዛዕባ ኣብ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ትማሊ ዝወዓለ ኩነታት


እቲ ምስሕሓብ ከመይ ከምዝተፈትሐ ንፁር ኣይኮነን።እቶም ዝዓመፁ ኣባላት ሰራዊት ግና ካብ ህንፃ ምንስቴር ዜና ወፂኦም‘ለው

ገለ ዝዓመፁ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፣ድሕሪ ንምንስቴር ዜና ኤርትራ ክቆፃፀሩ ዘካየድዎ ፈተነ፣ሎሚ ሰሉስ ህድኣት ናብ ኣስመራ ከምዝተመለሰ ተገሊፁ።

ልዕሊ ሚእቲ ወትሃደራት ትማሊ ንጉሆ ናብ ቤት ዕዮ ምንስቴር ዜና ብምእታው፣ብሓደ ሰራሕተኛ ኣቢሎም ፖለቲካዊ እሱራት ንክፍትሑን ናይ 1997 ሕገ-መንግስቲ ክትግበር‘ዩ ዝብል መግለፂ ንከንብብ ከምዝገበሩ እቲ ዜና ይሕብር።

እቲ ምስሕሓብ ከመይ ከምዝተፈትሐ ንፁር ኣይኮነን።እቶም ዝዓመፁ ኣባላት ሰራዊት ግና ካብ ህንፃ ምንስቴር ዜና ወፂኦም‘ለው።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ሓላፊ ፕረዚደንት‘ታ ሃገር ኣቶ የማነ ገ/መስቀል ኩነታት ከምዝነበሮ ህዱእ‘ዩ ዘሎ ኢሎም ይብል ኣብ ትዊተር ዝተዘርገሐ ሓበሬታ።

መርበብ ሓበሬታ ተቃወምቲ ዓወተ ዳት ኮም፣ እቲ ተቃውሞ ብሳልሕ ዖስማን ዝተባሃለ ኣዛዚ ሰራዊት ከምዝተመርሐን፣ ህዳሴ መስርሕ ዴሞክራሲ‘ታ ሃገር ንክጅምር ከምዝዓለሙ እቲ ዜና ይገልፅ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ንፕረዚደንት ንዝተቃወሙ ጋዜጠኛታትን ሰበ-ስልጣንን ሓዊሱ ኣብ‘ታ ሃገር ኣሻሓት ፖለቲካዊ እሱራት ሒዙ ከምዘሎ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር።

ቢሮ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ብወገኑ፣ሽዱሽተ ሚልዮን ኣብ ዝህዝባ ኤርትራ ካብ ፭ ክሳብ ፲ ሽሕ ፖለቲካዊ እሱራት ኣለው ይብል።

ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ዝፈልጦ ሓበሬታ ንኸካፍለና ፒተር ሃይንላይን ንፊሪላንስ ጋዜጠኛ ሊኣናርዶ ቪንሰንት አዘራሪብዎ'ሎ። ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ።

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:06 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG